
pictures
ኣብ ዘፍጥረት 2፡18 "እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ሰብኣይ በይኑ ኪኸውን ጽቡቕ ኣይኮነን ፡ ንዕኡ እትበቅዕ ደጋፊት ክገብረሉ እየ በለ።" ይብል። ቀጺልና ኣብ ዘፍጥረት 2፡20-25 እንተኣንበብና ፡ እግዚኣብሄር ንኣዳም እትበቅዕ ብጸይቲ ካብ መሰንገሊኡ ወሲዱ ፡ ሰበይቲ ጌሩ ከምዝሰርሓ”ሞ ናብ ኣዳም ምስ ኣምጽኣ ፡ ኣዳም ነታ ሰበይቲ ማለት ንሄዋን ከም ኣካሉ ገይሩ ከምዝተቐበላን ሓደ ስጋ ኮይኖም ብሓንሳብ ኪነብሩ ከምዝጀመሩን ንምልከት።
እዚ'ዩ እምብኣር እቲ መደብ ኣምላኽ ፡ ሰብኣይ በይኑ ኪኸውን ጽቡቕ ስለዘይኮነ ፡ እግዚኣብሄር ንሰብኣይ እትበቅዕ ደጋፊት ሰበይቲ ዝሃቦ። ሰብኣይን ሰበይትን ድማ ብሓንሳብ ከም ሓደ ኣካል ኮይኖም ክነብሩን ቤተሰብ ክምስርቱን እሞ እቲ ቤተሰብ ድማ ምንጪ ናይ ሰናይ ቤተሰብን ሕብረተሰብን ንኪኸውን። ኣብ ወንጌል ማቴዎስ 19፡ 4-5 መሊሱ በሎም ፡ እቲ ካብ መጀመርታ ዝፈጠረ ሰብኣይን ሰበይትን ጌሩ ፈጠሮም ድማ ምእንትዚ ሰብኣይ ኣቦኡን ኣዲኡን ይሓድግ ምስ ሰበይቱ ከኣ ይጣበቕ ክልቲኦም ከኣ ሓደ ስጋ ይኾኑ ከምዝብልዶ ኣየንበብኩምን?" ብምባል ጐይታናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ ነቲ መደብ እግዚኣብሄር፡ ሓዳር ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ኮይኑ ብዓይኒ እግዚኣብሄር ከም ሓደ ስጋ ከምዝርኣዩን ብሓንሳብ ድማ ኪነብሩን ከምዝኾነ ደጊሙ ዝበሎ ቃል እዩ።
መደብ ኣምላኽ ንቤተሰብ እምብኣር ብሰብኣይን ሰበይትን ጀሚሩ ካብኦም ዝውለዱ ውሉድ ድማ ኣብ ምዉቕ ስድራቤት ብስርዓትን ብሰናይ ትምህርትን ብፍርሃት እግዚኣብሄርን ክዓብዩ እሞ ንሳቶም ድማ ከምኡ ካልእ ንኣምላኽ ዘኽብር ስድራቤት ክምስርቱ እዩ። ኣብ ዘፍጥረት 1፡28 "ኣምላኽ ድማ ፍረዩን ተባዝሑን ንምድሪ ኸኣ ምልእዋን ምለኽዋን ፡ ንዓሳ ባሕርን ነዕዋፍ ሰማይን ኣብ ምድሪ ለመም ንዚብል ኵሉ እንስሳን ከኣ ግዝኡ፡ በሎም።" ስለዚ እግዚኣብሄር ንዕኡ ዘኽብሩን ዘምልኹን ህዝቢ ምእንቲ ኪምስርትን ንምድሪ ድማ ብግቡእ ዘማሓድሩ ኣፍረይቲ ቤተሰብን ስድራቤትን ንኪህልዉ እዩ። እዚ ድማ ናብ ኣፍረይቲን ንኣምላኽ ናብ ዘኽብሩን ሕብረተሰብን ህዝብን ሃገራትን ንምፍራይ መሰረት ይኸውን ማለት እዩ። እምበኣር ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ሕታምና ዘንበብናዮ እግዚኣብሄር መስራቲ ሓዳርን ቤተሰብን እዩ። እግዚኣብሄር ድማ ንዕኡ ዘምልኹን ዘኽብሩን ህዝቢ መታን ከጥሪ ኢሉ እዩ ካብ መጀመርታ ብኣዳምን ሄዋንን ስድራቤት ዝጀመረ።
መሰረት ናይ ሓደ ሕብረተሰብን ሃገርን እምብኣር ስድራቤት ወይ ድማ ቤተሰብ እዩ። እዚ ኸኣ ብኽልተ ውልቀሰባት ማለት ብሓደ ሰብኣይን ብሓንቲ ሰበይትን ይጅምር ማለት እዩ።
እዚ ሓዳር ወይ ቤተሰብ ድማ ብኣምላኽ ዝተተኸለን ዝተጀመረን ኮይኑ፡ ኣብ ዓለም ብኸመይ ክምራሕ ከምዘለዎ ኣምላኽ ኣብ ቅዱስ ቃሉ መምርሕን ኣካይዳን ጌሩ ብብሩህ ገሊጹልና ኣሎ። ከምቲ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ፡ ሓደ ኣካል ብምዃን ብሓንሳብ ኪነብሩ ጥራይ ዘይኮነስ ፡ ኪፈላለዩ ከምዘይብሎም'ውን ኣብ ማቴዎስ 19፡6 "ደጊም ሓደ ስጋ እዮም እምበር ክልተ ኣይኮኑን ፡ ነቲ ኣምላኽ ዘጋጠሞ ሰብ ኣይፍለዮ።" ይብል። ከምኡውን ኣብ ሮሜ 7፡2 "ሰበይቲ ሰብኣያ ብህይወት ክሳዕ ዘሎ ፡ ብሕጊ ኣብኡ እስርቲ እያ።
ሰብኣያ እንተ ሞተ ግና ካብቲ ሕጊ ሰብኣያ ፍትሕቲ እያ።"
ስለዚ ሰብኣይን ሰበይትን ብሞት እንተ ዘይኮይኑ ክፈላለዩ ፍቓድ ኣምላኽ ኣይኮነን። ኣምላኽ እዚ ክኸውን ዝደሊ ድማ ምኽንያቱ ግሉጽ እዩ። ኣብ ፍትሕን ምፍልላይን ዝበጽሐ ሓዳርን ቤተሰብን ነቶም ዝፋትሑ ሰባት ጽቡቕ ከምዘይኮነ ንኻልኦት ድማ ጽቡቕ ኣብነት ከምዘይኮነ ንርእዮን ንሰምዕን ዘሎና ጉዳይ እዩ። ነቶም ዝፈላለዩ ሰብ ሓዳር ኮነ ነቶም ካብኣቶም ዝውለዱ ዉሉድ ኣዝዩ ኣሸጋርን ከቢድን እዩ። እቶም ውሉድ ብዘይ ኣቦ ወይ ብዘይ ኣደ ኪዓብዩ ወይ ድማ እኹል ዝኾነ ካብ ኣቦ ወይ ካብ ኣደ ዝርከብ ግቡእ ኣተዓባብያ ከይረኽቡ ኪዓብዩ ይግደዱ እሞ ንምሉእ ዕድሚኦም ድማ ኣብ ናብርኦም ዓቢ ኣሉታዊ ዝኾነ ጽልዋ ይገብረሎም። ካብ ብዙሕ መጽናዕቲታት ከምዝተበጽሖ ድማ ካብ ዝተፋትሑ ስድራቤት ዚመጹ ውሉድ መብዛሕትኡ ጊዜ ሓዳር ምስ ገበሩ ኣብ ፍትሕ ከም ዚውድቁ እዩ። እዚ ኸኣ ካብቲ ፍትሕ ዘምጽኦ ሕማቕ ጽልዋታት ሓደ እዩ። ኣብ ታሪኽ ኮነ ኣብ ጊዜና ፍትሕ ዘምጽኦ ሳዕቤን ኣዝዩ ከቢድን ብዙሕን ምዃኑ ግሉጽ እዩ። ስለዚ ሰብኣይን ሰበይትን ዝኣተውዎ ቃል ኪዳን ኣኽቢሮምን ተኸባቢሮምን ኪነብሩ ንዓኣቶም ኮነ ንውሉዶም ኣዝዩ ሰናይ እዩ። እዚ ጥራሕ ዘይኮነ ድማ ንፍቓድ ኣምላኽን መደብ ኣምላኽን ምኽባር እዩ። ንፍቓድ ኣምላኽ ምኽባርን ምእዛዝን ድማ ንኣምላኽ ምኽባር ምእዛዝን እዩ - ንሱ'ዩ ድማ እቲ ዕላማ ምፍጣርና - ንኣምላኽ ምኽባርን ምምላኽን።
ሰብ ሓዳር ብፍቕሪ ክመላለሱ ጥራይ ዘይኮነስ፡ እታ ኣብ ሰብ ሓዳር ዘላ ፍቕሪ ከምቲ ኣብ 1ይ ቆሮንቶስ 13፡4-7 ተጻሒፉ ዘሎ "ፍቕሪ ዓቃል እያ ፡ ፍቕሪ ኣይትቐንእን ፡ ፍቕሪ ኣይትጃሃርን ፡ ኣይትንፋሕን ፡ ኣይተስተሓፍርን ፡ ናታ ኣይትደልን ፡ ኣይትምረርን ፡ ኣይትቕየምን እያ ፡ ብሓቂ ትሕጎስ እምበር ብዓመጻ ባህ ኣይብላን። ኵሉ ትጸውር ኵሉ ትኣምን ኵሉ ተስፋ ትገብር ፡ ኵሉ ትዕገስ።" ዝብሎ ሰብ ሓዳር ድማ ፍቕሪ ብልቢ ዘርእዩ ሰባት ኪኾኑ ይግባእ። ከምቲ ኣብ 1ይ ዮሃንስ 4፡10 ተገሊጹ ዘሎ "ኣምላኽ ባዕሉ ስለ ዘፍቀረና ብናይ ሓጢኣትና መተዓረቒ ክኸውን ኢሉ ድማ ንወዱ ስለ ዝሰደደልና እዩ እምበር ንሕና ንኣምላኽ ስለ ዘፍቀርናዮ ኣይኮነን። እታ ፍቕሪ በዚ እያ።" ስለዚ ንሕና ብኣፍና የፍቅር እየ ምባል ጥራይ ዘይኮነስ እቲ ፍረ ፍቕሪ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ብግብሪ ኣባና ኪርአ ኣለዎ። ከምቲ እግዚኣብሄር ዘፍቅረና ንሕና ድማ ኣብ ሓዳርናን ቤተሰብናን ኣፍኣዊ ጥራይ ዘይኮነስ ግብራዊ ዝኾነ ፍቕሪ ከነርኢ ይግብኣና።
ሓዳር ብዕላማን ብመዓልታዊ ውሳኔን ዝንበር እምበር ስቕ ኢልካ ባዕሉ ዝምራሕ ነገር ኣይኮነን። ብስምምዕን ብስኒትን ክንበር ዝክኣል ድማ ንሕና ናይ ፍቕሪ ሰባት ምስ ንኸውን ጥራይ እዩ። ሽዑ'ዩ ሓዳርናን ቤተሰብናን ሰናይ ዝኾነልና። ንሱ ወይ ንሳ ናይ ፍቕሪ ሰብ ክኾኑ ምጽባይ ዘይኮነስ ኣነ ናይ ፍቕሪ ሰብ ክኸውን ኣሎኒ ኢልና ወሲንና ብግብሪ ድማ ነፍቅር ሰባት ክንከውን ከሎና እዩ። ከምቲ ኣብ ላዕሊ ብዛዕባ ፍቕሪ ዘንበብናዮ ፡ ፍቕሪ ንርእሳ ዝጥዕም ጥራይ ዘይኮነ ንብጻያ እኳ ደኣ ዚሓይሽ ክትገብር እያ እትጽዕር እሞ ኣብ ሓዳርና ድማ ከምኡ ክንከውን ኣሎና። ከምቲ ኣሰራርሓ ናይ ዓለም፡ ኣብ ሓዳርና ንመሰለይ ክቃለስ ኣሎኒ ንብል እንተዀንና ግና ገና ሓዳር ኣይተረድኣናን ኣሎ ማለት እዩ። እዚ ምስ ዝኸውን ድማ እቲ ፍቕሪ ዝኾነ እግዚኣብሄር ፍቕሪ እንታይ ምዃኑ ክምህረና ኵሉ እዋን ናብኡ ክንቀርብን ክንጽጋዕን ይግብኣና።
ፍቕሪ እንታይ ምዃኑ ክንምሃርን ሓዳርና ከመይ ጌርና ክንከናኸንን ክንምሃር ድማ ቃል ኣምላኽ ኣዚና ከነጽንዕን ክነንብብን ይግብኣና። ካልእ ተወሳኺ ድማ ካብ ኣሕዋትና ክንምሃር እንተኽኢልና ሰናይ ነገር እዩ። ብዛዕባ ሓዳርና ንዝኾነ ሰብ ምኽሪ ክንሓትት ማለት ዘይኮነ ፡ ብሓዳሮምን ብህይወቶምን ኣርኣያ ንዝኾኑ እሙናት ሰባትን መራሕቲ ናይ ቤተ ክርስትያንን ምኽሪ ክንሓትት ነውሪ ኣይኮነን። ካልእ ድማ ክርስትያናት ዝኾኑ ናይ ሓዳር ምሁራትን ሰብ ሙያን ምኽርን ሓገዝን ምድላይ ኣድላዪ ዝኾነሉ ጊዜ ክህሉ ይኽእል እዩ እሞ እዚ'ውን ንሓዳርካ ንምጥዓይን ንምህናጽን ክሳዕ ዝኾነ ጽቡቕ እዩ።
እምብኣር ኣምላኽ ዘለዎ መደብ ኣብ ሓዳር እንታይ ምዃኑ ርኢና ኣሎና፡ ነዚ መደብ ኣምላኽ ዝጻረር ኩሉ ካብ መደብ ኣምላኽ ዝወጸ እዩ። ሓወይ ሓብተይከ ከመይ ኣሎኹም? ኣብ ሓዳርካ ወይ ሓዳርኪ ፡ ነዚ መደብ እግዚኣብሄር ንኽትገብሩ'ዶ ትጋደሉ ኣለኹም? እዚ ዘሎናዮ ዓለም ብስርዓት ሰይጣን ዝምራሕ ስለዝኾነ ነቶም ስርዓት ኣምላኽ ክንነብር እንደሊ ብብርቱዕ ሓይሊ ከም ዝጻረረና ግሉጽ እዩ። እዚ ግና መሊሱ ከበርትዓና ድኣ'ምበር ተስፋ ከቑርጸና የብሉን ምኽንያቱ ከምቲ ኣብ ሮሜ 8፡36 ተጻሒፉ ዘሎ እቲ ምሳና ዘሎ ካብቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ስለ ዝብርትዕ ፡ በቲ ዘፍቀረና ኣጸቢቕና ንስዕር ኢና።