
pictures
ካብቲ ዝሓለፈን ዘሎን ዝመጽእን ሓጢኣትካን ንሱ ዘኸትሎ ናይ ዘልኣለም ፍርድን ኵነኔን፡ ብጐይታ የሱስ ብምእማን ገና ዘይደሓንካ እንተ ዀንካ፡ ከይትድሓን ዚገብረካ ዘሎ ካብዚ ስዒቡ ቐሪቡ ዘሎ ምኽንያታት ከይኮነ ኣይተርፍን።
ቀዳማይ፡ ዘይምፍላጥ / Ignorance:
“መኣስ ከምዚ መሲሉኒ፡ ኣይሰማዕኩን፡ ስለ ዘይፈለጥኩ እየ”፡ ብዙሕ ሰብ ካብ ኣምላኽ ኣጸቢቑ ስለ ዝረሓቐን ፍልጠት ቃል ኣምላኽ ከኣ ስለ ዘይብሉ፡ ንመንፈሳውን ዘለኣለማውን ነገራት ከም ዕሽነትን ዘየድልን ገይሩ ስለ ዝቖጽሮ ኣብ ናይ ዘይምፍላጥ ዓዘቕቲ ይነብር እዩ። ዋላ’ኳ ኵሉ ሰብ እቲ ምሉእ ቃል ኣምላኽን ምኽሩን ከምቲ ዚድለ ሰሚዑ እዩ፡ ይሰምዕ ከኣ ኣሎ ክንብል እንተ ዘይደፈርና፡ ዳርጋ ኵሉ ሰብ ካብቲ ሓፈሻዊ ምግላጽን ዝስበኽ ዘሎ ቃሉን፡ ኣምላኽን ሰይጣንን፡ ጽድቅን ኵነኔን፡ ፍርድን ትንሳኤ ምውታትን ከም ዘሎ ብዝተፈላለየ ዓቐን ይፈልጥን ይርዳእን እዩ። ግናኸ መብዛሕትኡ ሰብ በቲ ሓላፊ ስጋኡ ድኣምበር ብዛዕባ እታ ንዘልኣለም እትነብር ነፍሱ ስለ ዘይግደስ ሰሚዑ ከም ዘይሰምዐ ፈሊጡ ከምዘይፈለጠ እዩ ዝመላለስ። መጽሓፍ ቅዱስ “እቲ ስጋዊ ሰብ ነቲ ኣብ መንፈስ ኣምላኽ ዘሎ ኣይቅበሎን፡ ንእኡ ዕሽነት እዩ እሞ ከስተውዕሎ ኣይከኣሎን እዩ፡ .... ቃል መስቀል ነቶም ዝጠፍኡ ዕሽነት እዩ፡ ይብል። ዘይምፍላጥ ግን ዳርጋ ኵሉ ጊዜ ምስ ዘይምግዳስን ዘይምድላይን ዘይምእማንን ዝስራዕ ስለ ዝኾነ ካብ መቕጻዕቲ ኬድሕን ኣይክእልን። ሰብ ጊዜ ወሲዱ ተገዲሱ ብዛዕባ ዘለኣለማዊ መዕለቢኡ ክሓስብን ክፈልጥን ክሓትትን ዝተቐደሰ ሓላፍነቱ እዩ። እቲ ብቐጻሊ ንመንፈሳዊ ነገራት ሸለል እናበለ ናብ ስጋኡ ከድህብ ዝነበረ ሰብ፡ ብመዓልቲ ፍርዲ ኣብ ቅድሚ እቲ ልብን ኰላሊትን ዚምርምር ኣምላኽ “ኣይፈለጥኩን” ኢሉ ከማኻኒ ኣይክእልን እዩ።
ካልኣይ፡ ንዓለም ምፍታው / Love of the World:
ዓለም! ከመይ ጌርካ ትሕደግ? ሓጢኣት ጥዑምን ባህ ዘብልን እዩ፡ ከም ድልየትካ ጐይታ ዘይብልካ ምንባር ጽቡቕ እዩ። ጽባሕ ክንመውት ኢና እሞ ንብላዕ ንስተ ንተሓጐስ፡ እዚ ኵሉ ናይ “ካብ ንዓመታ ደርሆ ንሎምዘበን እንቋቝሖ፡ ካብ ክልተ ኣዕዋፍ ኣብ ዱር ሓንቲ ኣብ ኢድ”፡ ዚብል መሳጢ መጎት፡ ካብ ጥንቲ ንህዝብታትን ውልቀሰባትን ጓቲቱ ናብ ገሃነም ኣእትዩ እዩ፡ የእቱ ከኣ ኣሎ። ጥበበኛታትን ፈራህቲ እግዚኣብሄርን ዝኸድዎ ግና ኣይኮነን። እቲ መጽሓፍ ኢሉ “ንሰብ ቅንዕቲ እትመስሎ መገዲ ኣላ፡ መወዳእታኣ ግን ሞት እዩ”። እዚ ከምዚ ዝመስል ዓለማዊ ሰብ ምቾትን ሕንቃቐን ናይዛ ዓለም ዝፈቱ ጥራይ ዘይኮነስ ካብ ንክርስቶስ ንዓለም፡ ካብ ብርሃን ንጸልማት፡ ካብቲ ጽድቂ ብምስዓብ ዚርከብ ንጹህ ሰማያዊ ሓጎስን ብዓመጻን ርእስኻ ብምፍታውን ዝመጽእ ተድላ ብምምራጽን ንህይወቱ ዝኾነነ ሰብ እዩ። “ንዓለም ወይስ ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ኣይትፍተዉ። ሓደ’ኳ ንዓለም እንተፈተዋ ፍቕሪ ኣቦ የብሉን። ኵሉ እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ፡ ፍትወት ስጋን ፍትወት ኣዒንትን ንብረት ትዕቢትን፡ እዚ ካብ ዓለም እዩ እምበር ካብ ኣቦስ ኣይኮነን። ዓለም ትሓልፍ እያ፡ ፍትወታ ከኣ እቲ ንፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ግና ንዘልኣለም ይነብር”። ንዘክር ገዛኢ እዛ ዓለም’ዚኣ ዝኾነ ሰይጣን ተፈሪድዎ እዩ። ዓለምን ኣብኣ ዘሎን ከኣ ኪነድድ እዩ፡ ክሳዕ መዓልቲ ፍርዲ ንሓዊ ይሕሎ ኣሎ። ዓለም ተስፋ የብላን።
ሳልሳይ፡ ከይብሉኒ፡ ከይጽረፍ፡ ከይስጎጕ፡
“ሃይማኖቱ ለዊጡ” ክበሃል፡ ዘይሽመይ ኪህቡኒ፡ ክንዓቕ፡ ካብ ስድራይን ኣዝማደይን ደቂ ዓደይን ኣዕሩኽተይን መሓዙተይን ክፍለ ... እንታይ ገዲሱኒ፡ ዘይተርፍ እንተደለየ”። ሓደ ሰብ ብርሃን በሪሁሉ፡ እቲ ሰናይ ቃል ኣምላኽ ጥዒሙ ተማቓሊ መንፈስ ቅዱስ ኮይኑ ከብቅዕ፡ ግናኸ ንሰባት ፈሪሁ ነቲ ህይወት ከፊሉ እተሻየጦ ጐይታ ዝኽሕድን ንድሕሪት ዝምለስን ንመንግስቲ ኣምላኽ ብቑዕ ኣይኮነን። ክልተ ነገር ርኢኻ ኣይከውንን እዩ።
ቃሉ ግን ይብል፡ “ኣነ ኣነ እየ ዘጸናንዓኩም፡ ንስኻኸ ካብዚ መዋቲ ሰብ፡ ካብዚ ከም ሳዕሪ ዝሓልፍ ወዲ ሰብ እትፈርህሲ መን ኢኻ። ነቲ ሰማያት ዝገተረ ንምድሪ ከኣ ዝሰረተ፡ ነቲ ዝፈጠረካ እግዚኣብሄር ረሳዕካዮ፡ “ስለዚ ተቢዕና እግዚኣብሄር ረዳእየይ እዩ እሞ፡ ኣይክፈርህን እየ፡ ሰብከ እንታይ ከይገብረኒ
ንበል”። መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ተባዓት እያ። ሰባት ከይብሉና ኢልናስ ካብታ ዘይትሓልፍን ዘይተንቀጥቅጥን መንግስቲ ኽንተርፍ? ሞት ይሓይሽ፡ ግን በዚ ምኽንያት እዚ ካብ ምድሓን ዝተርፉ፡ ብስም የሱስ ኣብ ቅድሚ ሰባት ስለ ዝሓፍሩ ብመዓልቲ ፍርዲ ከኣ ጐይታ ኣይናተይን ኢኻ ኢሉ ዘሕፍሮም መሊኦም መሊኦም እዮም። ሉቃ.12፡4-5
ራብዓይ፡ ትዕቢት
“እዛ መገዲ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ንዕቕትን ናይ ንዑቓትን እያ። ኣነ ግና ዓቢ ወዲ ዓበይቲ፡ ሃይማኖት ዘሎኒ፡ ክብረት ዘሎኒ፡ ስልጣንን ዕቤትን ዘሎኒ፡ ሕፉር፡ ምሁር፡ ሃብታም፡ መልክዔኛ፡ ውርዙይ .... እየ”። ኣነ ገለ እየ ንዝብል ሰብ፡ ሓሳቡ ከኣ ኣብ ልዕል ዝበለ ዘቐመጠ ሰብ እግዚኣብሄር ይትረፍዶ ምድሓኑ ክርእዮ፡ ሓንቲ ከም ዘይኮነ ክርእዮን ከዋርዶን ኪመጽእ እዩ። ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ትዕቢተኛ ሰብ ንምሕረት ዘይኮነስ ንኽፉእ ኵሉ ሳዕ ምስ ጠመታ እየን።
እግዚኣብሄር ግን ንትሑታት እዩ ምድሓኑ ዝስልሞም። ኣየ ነቲ እትዕበየሉን ንኻልኦት እትንዕቀሉን ዘሎኻ፡ እግዚኣብሄር ኣዒንትኻ ከፊቱ ከንቱነት እንተ ዘርእየካ ከመይ ምሓፈርካ ኔርካ። በል ኣብቲ ናይ ንዑቓት እትብሎ መገድን መጓሰን ኣብኡ እዩ እቲ ዓብዪን ክቡርን ስልጡንን ኣምላኽ ዘሎ።
“ምስቶም ትሑታት ትሕት በሉ እምበር፡ ኣብቲ ልዕል ዝበለ ንገር ሓሳብኩም ኣይተውድቑ። ጠቢባን ኢና ኢልኩም ብርእስኹም ኣይትሕሰቡ” ይብል እቲ ቃል።
ሓምሻይ፡ የርክበሉ፡
“ጊዜ ኣሎ፡ ሕጂ ቍሩብ ክደላደል ክመሃር ስራሕ ክሕዝ ሓዳር ክምስርት ክነግድ ከስፍሕ፡ ክድልብ ... ሽዑ ክስዕቦ እየ፡ እቲ ቃል ግን “ብቕብልቲ ጊዜ ሰማዕኩኻ ... እታ መዓልቲ ምድሓን ሕጂ እያ” ይብል። መንግስተ ሰማይ ሓደ እዋን ሓጥኣን ብዝነበሩ ግን ካብ ሓጢኣቶም ዝተነስሑ ሰባት እያ መሊኣ። ገሃነም እሳት ግን ጊዜ ከለዎም ብዘይ ምንሳሖም ዘልኣለም ኪጥዓሱ ዚነብሩ ሰባት እያ መሊኣ። ንምድሓን ቆጸራ ምውሳድ ኣየድልን፡ ምኽንያቱ እቲ ካልኣይ ዕድል ኪርከብ ውሕስነት ዝሃበ ዋላ ሓደ የለን። “ከምቲ ብዘመን ኖህ ዝኾነ፡ ብዘመን ወዲ ሰብ’ውን ከምኡ ኪኸውን እዩ። ክሳዕ እታ ኖህ ናብ መርከብ ዚኣተወላ መዓልቲ ይበልዑን ይሰትዩን የእትዉን የተኣታትዉን ነበሩ። ማይ ኣይሂ ድማ መጸ ንዅሎም’ውን ኣጥፍኤ። ብዘመን ሎጥ ድማ ከምኡ ኮነ፡ ይበልዑን ይሰትዩን ይሸጡን ይሻየጡን ይተኽሉን ይሃንጹን ነበሩ። በታ ሎጥ ካብ ሶዶም ዝወጸላ መዓልቲ ድማ ካብ ሰማይ ሓውን ዲንን ወረደ፡ ንኹሉ ከኣ ኣጥፍኤ። በታ ወዲ ሰብ ዚገለጸላ መዓልቲ ድማ ከምኡ ኪኸውን እዩ።” ሉቃ.17፡26-30። ቅድም ቀዳድም ህይወትና ብዘይ ውዓል ሕደር ነድሕን እሞ ሽዑ ከም ፍቓዱ ንስራሕ፡ ንህነጽ፡ ንጕየ ...።
ፍቑር ኣንባቢ፡ ምናልባሽ ክሳዕ እዛ ደቒቕ እዚኣ ካብቲ ኣብ ዓለም ክወርድ ዘለዎ ቍጥዓ እቲ ገንሸል ዘይሃደምካን ዘይደሓንካን እንተ ዀንካ “ከምቲ ሜዳቝ ካብ ኢድ ሃዳኒ ዑፍ’ውን ካብ ኢድ ኣፈንጣሪ ዜምልጣ ንርእስኻ ኣድሕን፡ ምሳ.6፡5። ሎሚ ስም የሱስ ክርስቶስ ጸዊዕካ ካብ ሓጢኣትካ ተሓጸብ፡ ድሓን። ክንድሕነሉ ዚግባእ ካልእ ስም ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንሰብ ኣይተዋህበን እሞ፡ ምድሓን ብሓደ ካልእ ከቶ የልቦን።
እዘን ሓሙሽተ ምኽንያታት ግን ንብዙሓት ከይድሕኑ ሓሊኸን ጥራይ ዘይኮና ገለ ካብኣተን’ውን ንብዙሓት ዝደሓኑ ከይፈርዩን ከይዓብዩን ሓኒቐን ሒዘን ዘለዋ ምዃነን ኪፍለጥ ይግባእ። ሓደገኛታት እየን እሞ ንጠንቀቐለን። ሉቃ.13፡22-30 ብምስትውዓል ነንብብ ነጽንዕ ንተኣዘዝ ንለወጥ።
*****