
pictures
ሰባት ብናቶም መግለጺ ብዛዕባ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ብዙሕ ተዛሪቦም፡ ኪበሃል ዚከኣል ዘበለ ኵሉ ኢሎሞ እዮም፡ ገሊኦም ካብ ሰብ ዝለዓለ ፍጡር እዩ ኢሎም፡ ገሊኦም ሓደ ካብ መላእኽቲ እዩ ኢሎም፡ ገሊኦም ናይ ሞራል መምህር፡ ንዓላምኡ ከኣ ዚመውት እዩ ኢሎም፡ ገሊኦም ኣምላኽ ከሎስ ከምስል ጥራይ እዩ ሰብ ኮይኑ’ምበር ሰብ ኣይኮነን ኢሎም፡ ገሊኦም ካብ ነብያት ሓደ ተንሲኡ ኢሎም፡ ገሊኦም ንሱ ኣምላኽ ኣይኮነን፡ እቶም ሰዓብቱ እዮም ኣምላኽ ኢሎሞ ኢሎም። ገሊኦም ከኣ ሕሉፍ ሓሊፍዎም ንርእሶም ኣነ እየ የሱስ ኢሎም። ሰባት ከም የሱስ ኪኾኑ ብዙሕ ብሂጎምን ፈቲኖምን እዮም። መን ምዃኑ ግን ኣይተረድኡን።
የሱስ ናዝራዊ መን እዩ ንሱ?
የሱስ ናዝራዊ መን እዩ ንሱ? ክሳዕ ክንድ’ዚ ዚገንንከ ከመይሉ እዩ? እቲ ዝገበሮ ሓይልታትከ ካበይ ኣምጺእዎ? ብዙሕ መዝሙር ኣይዘመረን፡ ግን ከምዚ ናቱ ዝተዘመረሉን ዚዝመረሉን የለን። ሓንቲ መጽሓፍ ኣይጸሓፈን፡ ከምዚ ናቱ ዚበዝሕ መጻሕፍቲ ኣይተጻሕፈን። ንቅሩብ ዓመታት ጥራይ እዩ ኣብ ምድሪ ነይሩ፡ ህላውነቱ ግን ንዅሉ ይመልእ። መጀመርያን መወዳእታን ከኣ የብሉን። ታሪኽ እኳ ንዘመናት ኣብ ክልተ ከፊሉ ቅድሚ ልደት ክርስቶስ (BC): ድሕሪ ልደት ክርስቶስን (AD) ኢሉ ክሳዕ ዚፈሊ ኮይኑ።
ንሱ ንማዕበል ጸጥ በል ይብሎ፡ ይብል ከኣ፡ ንምዉት ተንስእ ይብሎ ይትንስእ ከኣ። ደቀ መዛሙርቱ (ሰዓብቱ) እኳ ገሪምዎምስ፡ “እዚ ንፋስን ባሕርን ዚእዘዙሉስ መን ኮን እዩ ...” ኢሎም፡ ማር 4፡41።
ሰባት ንስም የሱስ ከጥፍኡ ብዙሕ ጽዒሮም፡ ግን በቲ ሓደ ወገን እንተዓጸዉ በቲ ሓደ ወገን ከኣ ይኽፈት፡ ካብ ኣእምሮ ሰብ ከጥፍእዎን ኪርስዕዎን ብዙሕ ፈቲኖም፡ ብዘይሓሰብዎ ከኣ ኣብ ቅድሚኦም ይጸንሖም። መን’ዩ’ዚ የሱስ እዚ ዚብል ሕቶ ከኣ ኣብ ኣእምሮኦም ይመላለስ።
ሰባት ኪጸልእዎ ወይ ከፍቅርዎ፡ ኪነጽግዎ ወይ ኪቕበልዎ ጥራይ እዮም ዚኽእሉ፡ ኪርስዕዎ ግን ኣይክእሉን እዮም። መን’ዩ እዚ የሱስ እዚ?
እናሓንሳእ ከም ሰብ ይጠሚ፡ ይደክም፡ ይጸምእ፡ ይበኪ፡ ይሓርቕ፡ ይሕጎስ፡ ይግፋዕ፡ ይቕጥቀጥ፡ ይቕተል፡ ይመውት። እናሓንሳእ ከኣ ከም ኣምላኽ፡ ሓጢኣት ይሓድግ፡ ይፍውስ፡ ንተፈጥሮ ይእዝዝ፡ ን5000 ሰባት ይምግብ፡ የፍቅር፡ የድሕን፡ ካብ ሞት የተንስእ። መን እዩ እዚ የሱስ እዚ? እቲ ቀንዲ ኣገዳሲ ከኣ መን ምኻኑ ጥራይ ኣይኮነን። ንስኻኸ መን’ዩ ትብሎ እዩ።
መልሱ ቀሊል እዩ፡ ኣብ ዮሃንስ 1፡1-3 ዘሎ እንተተመልከትና “ቃል ብመጀመርታ ነበረ፡ እቲ ቃል ድማ ኣብ ኣምላኽ ነበረ፡ እቲ ቃል’ውን ኣምላኽ ነበረ፡ ብእኡ ኵሉ ኮነ፡ ካብቲ ዝኾነ ዘበለ ድማ ብዘይ ብእኡ ዝኾነ የልቦን” ይብል።
እቲ መልሲ እቲ ጴጥሮስ ዝበሎ እዩ። “ንስኻ ክርስቶስ ወዲ እቲ ህያው ኣምላኽ ኢኻ”፡ ማለት ንስኻ “ህያው ኣምላኽ ኢኻ” ማለት እዩ። ማቴ.16፡16
የሱስ ዚብል ምድራዊ ስሙ ኪኸውን ከሎ፡ ክርስቶስ ማለት ከኣ “ዝተቐብአ ማለት ኮይኑ መሎኮታዊ መንነቱ ይገልጽ። 1ዮሃ.4፡2
ነቢይ ኢሳይያስ ኣብ ምዕ.9፡6 ከም ዝተነበየሉ ስሙ፡ ግሩም፡ መካር፡ ብርቱዕ ኣምላኽ፡ ኣቦ ዘልኣለም፡ መስፍን ሰላም ኪስመ እዩ።
ናይ የሱስ ክርስቶስ መንነት ኪርድኣና ኣለዎ። ምኽንያቱ ንዘይትፈልጦ ጐይታ ህይወትካ ኣይትህብን፡ ንዘይትፈልጦ ከኣ ኣይትስዕብን።
መንፈስ ቅዱስ ምስ መጸ ካባይ ወሲዱ ኪነግረኩም እዩ፡ ኢሉ እዩ እሞ ንሱ እቲ ነብያት
ዝመስከሩሉን ምጽኣቱ መታን ኪርእዩ ሃንቀው ዝበሉሉን ጐይታ እዩ። የሱስ ክርስቶስ እቲ ኣብታ ናይ ምስክር ድንኳን ብዝተፈላለየ ሸነኻት ዝተገልጸ ኣምላኽ እዩ። “ኣምላኽ ብዙሕ ሳዕን ብብዙሕ መገድን ቀደም ነቦታትና ብነብያት ገይሩ ምስ ተዛረቦም፡ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ንኣና በቲ ወራስ ኵሉ ዚገበሮ ብእኡ’ውን ዓለም ዝፈጠሮ ወዱ ገይሩ ተዛረበና” ይብል። እብ.1፡1
መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚገልጾ የሱስ ክርስቶስ እቲ ዚስዋእ ገንሸል ነይሩ፡ እቲ መሰውኢ ነይሩ፡ ንኣምላኽ ዚሓርር ጥዑም መስዋእቲ ነይሩ፡ እቲ ዘተዓርቕ ሊቀ ካህን ነይሩ፡ ማለት ነዚ ኵሉ ብሓደ ፈጺምዎ እዩ። ጐይታ የሱስ ክብሪ ናይ እግዚኣብሄር ኮይኑ ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ ምስክር ድንኳን ኣብ ሞንጎ ህዝቡ ይነብር ነይሩ።
የሱስ ህይወት ጥራይ ኣይኮነን ዘለዎ፡ ንሱ ባዕሉ ህይወት እዩ፡ ብርሃን ጥራይ ኣይኮነን ዘለዎ ብርሃን እዩ ንሱ፡ ትንሳአን ህይወትን ጥራይ ኣይኮነን ዘለዎ፡ ንሱ ባዕሉ ትንሳአን ህይወትን እዩ፡ ”የሱስ ከኣ ትንሳኤን ህይወትን ኣነ እየ ... በላ” ዮሃ.11፡25 መገድን ሓቅን ህይወትን ጥራይ ኣይኮነን ዘለዎ፡ ንሱ ባዕሉ መገድን ሓቅን ህይወትን እዩ፡ ወዘተ።
ኣለዎ ዚበሃል ወይ ዘለዎ፡ ሓደ መዓልቲ ድማ ተወዲእዎስ የብሉን ኪበሃል ይከኣል እዩ። ሎሚ ገንዘብ እንተሎካ ጽባሕ ግን ገንዘብካ ተወዲኡስ ዘይብልካ ክትከውን ትኽእል ኢኻ። ዝሃብዎ እንተኾይኑ ድማ ከግድፍዎ ይከኣል እዩ። የሱስ ግና ባዕሉ ህይወት እዩ፡ ባዕሉ ብርሃን እዩ፡ ባዕሉ ትንሳአ እዩ፡ ዘግድፎ ከኣ የሎን።
የሱስ “ኣነ ... እየ” ኪብል ከሎ፡ ምስቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ኣብቲ በረኻ ቆጥቋጥ ዘጽ.3፡14 ኣነ እቲ ዘለኹ እየዘለኹ ዝበሎ ብሓደ ይሰማማዕ። ሰባት ዝተፈላለየ ነገራት፡ ካብ ጥዕና ጀሚርካ፡ ሃብቲ፡ ፍልጠት፡ ሞጎስ ወዘተ ኪህልዎም ይኽእል፡ ዚህልዎም ዘሎ ምኽንያት ከኣ ስለዝተዋህቦም እዩ። ድሕሪ ቍሩብ ከኣ ዘይብሎም ኪኾኑ ይኽእሉ እዮም። እግዚኣብሄር ጥራይ እዩ ኵሉሳዕ ዘለዎ እሞ ዘይውድኦ ከመይ ንሱ ባዕሉ ምንጪ እዩ። ሰይጣን ከምዘለዎ ገይሩ ንሰባት ከርእዮምን ከታልሎምን ይርአ፡ ባዕሉ ዘምጽኦ ሓንቲ እኳ የብሉን፡ ወይ ዝሰረቖ ወይ ኣታሊሉ ዝወሰዶ እንተዘይኮይኑ። ንሱ ዘምጽኦ ዝኾነ ይኹን ህያባት ከኣ ሰባት ምናልባሽ ኪጥምትዎን ሃረር ኪብሉሉን ይኽእሉ ይኾኑ፡ ኪጥቀሙሉ ግን ኣይክእሉን።
ኣብ ሉቃ. 4፡6-7 ንየሱስ “ሽዑ ዲያብሎስ እዚ ስልጣን እዝን ብዘሎ ክብረተንን ንኣይ ተውሂቡኒ እዩ እሞ፡ ኣነ ንዝደሌኹ እህቦ፡ ንኣኻ’ውን ክህበካ እየ። ስለዚ ንስኻ ኣብ ቅድመይ እንተ ሰገድካ ኵሉ ናትካ ኪኸውን እዩ” በሎ። ካብ መኣስ እዩ፡ ሰይጣን ወሃቢ የሱስ ተዋሃቢ ዝኾነ? ጐይታ የሱስ እቲ ኵሉ ዚኽእል ፈጣሪ ከም ዘይብሉ፡ ሰይጣን ከኣ ፍጡርን ሰራቕን ከሎስ ከም ዘለዎ ኮይኑ ምቕራቡ ኣዝዩ ዘገርም እዩ። ሰይጣን እምበኣር እንተዘይተዋህቦ ገለ እኳ ኪገብር ኣይክእልን እዩ። ንምዃኑ ሰይጣን “ንኣይ ተዋሂቡኒ” ኪብል ከሎስ መን’ዩ ሂብዎ? ካበይ ኣምጺእዎ? ሰይጣን ዓለምን ክብረታን ኪህልዎ ዝኸኣለ፡ ካብ ኣምላኽ ኣይተዋህቦን፡ ካብ ሰብ እዩ ኣታሊሉ ወሲድዎ። እምበኣርከስ ንዝሃቡዎ ከግድፉዎ ከኣ ይከኣል እዩ። ሰይጣን ሎሚ ኣሎኒ ኣሎኒ ዚብሎ፡ ጽባሕ ከኣ ዘይብሉ ኮይኑስ ጥራይ ኢዱ ንሲኦል ኪድርበ እዩ። ጐይታ የሱስ ግን “... እንጌራ ህይወት እነ እየ፡ ናባይ ዚመጽእ ኣይጠምን፡ ብኣይ ዚኣምን ከኣ ከቶ ኣይጸምእን እዩ።” ዮሃ.6፡35 “ብእኡ ኵሉ ኮነ፡ ካብቲ ዝኾነ ዘበለ ድማ ብዘይ ብእኡ ዝኾነ የልቦን” ይብል። ዮሃ.1፡3
“እቲ ቃል ስጋ ኮነ፡ ጸጋን ሓቅን መሊእዎ ከኣ ኣባና ሓደረ፡ ክብረቱ ድማ ከም ክብሪ ናይ ሓደ ወዲ ነቦኡ ርኤና።” ዮሃ.1፡14 ከምዚብል ሕጂ ግን ብስጋ ተገሊጹ ኣብ ሞንጎ ህዝቡ ይመላለስ ነይሩ። “And the Word became flesh and Tabernacled among us.” Tabernacle ማለት ምሕዳር ማለት እዩ።
ንሱ ንሓጢኣት ዓለም ዜርሕቕ ገንሸል ኣምላኽ ነይሩ፡ ሓደ ገንሸል ንመስዋእቲ ዚበቅዕ ምዃኑን ዘይምዃኑን ቅድም ኪፍተሽ ኣለዎ፡ ጎደሎ ዘይብሉ ምስ ዝኸውን ጥራይ እዩ ንመስዋእቲ ዚቐርብ። እብ.9፡13-14። የሱስ ብዅሉ ንሰብ ዚበጽሖ ፈተናን መከራን በጺሑዎስ ገለ ሓጢኣት ዘይገበረ ምሉእ ኮይኑ ስለዝተረኽበ ስለ ሓጢኣትና ሞይቱ ስለ ጽድቅና ከኣ ተንሲኡ። ራእይ 5፡ 1-5 እንተተመልከትና የሱስ ጥራይ’ዩ ነቲ መጽሓፍ ኪግንጽሎ ወይ መሓትሙ ኪፈትሖ ዝኸኣለ።
ሙሴ ኣብ ከረን ሲና ምስ እግዚኣብሄር ኪዘራረብ ከሎ፡ ንእግዚኣብሄር ደቂ እስራኤል መን ልኢኹካ እንተበሉኒስ መን ልኢኹኒ ክብሎም፡ መን ኢኻ ንስኻ? ምስ በሎ “እቲ ዘለኹ እየ ዘለኹ”፡ “እቲ ዘለኹ” ልኢኹኒ በሎም ኢሉዎ። ሙሴ ከኣ ልክዕ ከምቲ ዝሰምዖ እቲ ዘለኹ (ያህወ) ልኢኹኒ ኢሉዎም። ያህወ ናይ እግዚኣብሄር መለኮታዊ ስም እዩ፡ ብዘይካኡ ከኣ ካልእ በዚ ስም እዚ ኣይጽዋዕን እዩ። ድሕሪ ምልኣት ዘመን፡ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምስ ተገልጸ፡ ንሱ እቲ ናይ ጥንቲ ኣምላኽ ስለዝኾነ ደጊሙ በዚ ስም እዚ ንርእሱ ይጽውዕ ነይሩ። ነዚ ስም እዚ ብሓደ ጊዜ ጥራይ ኣይኮነን ተጸዊዑሉ፡ ብዝተፈላለየ ሸነኻት እዩ። ብኸምዚ ዚስዕብ ከኣ ይዝርዘር፡
1. “እንጌራ ህይወት ኣነ እየ”፡ ዮሃ.6፡35
2. “ኣነ ብርሃን ዓለም እየ”፡ ዮሃ.8፡12
3. “ኣነ ሕያዋይ ጓሳ እየ”፡ ዮሃ.10፡11
4. “ትንሳአን ህይወትን ኣነ እየ”፡ ዮሃ.11፡25
5. “መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ”፡ ዮሃ:14፡6
6. “ኣነ ናይ ሓቂ ጕንዲ ወይኒ እየ”፡ ዮሃ.15፡1
7. “ኣልፋን ኦሜጋን ኣነ እየ”፡ ራእ.፡8
የሱስ ካብ ብዙሓት ፈተውቲ ወይ መድሓንቲ ሓደ ኣይኮነን፡ ንሱ ንበይኑ እዩ። ከምኡ ዝበለ ፈታውን መድሓንን ዓርክን የልቦን። ከምኡ ዝበለ ኣምላኽ የልቦን። ንሱ ምስ መላእኽትን ጻድቃንን፡ ምስ ዓበይትን ሊቃውንትን ኣይወዳድርን እዩ። ንዕኡ ዚዳረግ ስለ ዘየሎ ጐይታ ጐይቶት ንጉስ ነገስታት ንበይኑ እዩ። ንሱ ንምርኣዩ ዜብህግ፡ ጽላሉ ጥዑም፡ ውቃቤኡ ዝማርኽ ዕንባባ ሳሮን እዩ። ነቶም ናቱ ዝኾኑ፡ ብደሙ ዝተሻየጦም ከኣ ከምዚ ይብሎም፡ “ሰብ ንህይወቱ ኣብ ክንዲ ኣዕሩኹ በጃ ከሕልፍ፡ ካብ’ዚ ዝዓቢ ፍቕሪ የልቦን። ንስኻትኩም እዚ ዝኣዘዝኩኹም ዘበለ ኵሉ እንተገበርኩም ኣዕሩኸይ ኢኹም። እቲ ካብ ኣቦይ ዝሰማዕክዎ ዘበለ ንኣኻትኩም ስለ ዘፍለጥኩኹም እየ ኣዕሩኸይ ዝበልኩኹም። ባርያስ ጐይታኡ ዚገብሮ ኣይፈልጥን እዩ እሞ ደጊም ባሮት ኣይብለኩምን እየ።’ ዮሃ.15፡13-15
ክቡር ሓው፡ ክብርቲ ሓፍቲ፡ እዚ ንዓኹም ኢሉ ካብ ቅድሚ ምስራት ዓለም ዝተዳለወ ህያው በረኸት ብየሱስ ክርስቶስ ጐይታና ወረስቱ ኢኹም እሞ ባህ ይበልኩም።
ስም እግዚኣብሄር ኣምላኽ ዝተመስገነ ይኹን።